1. ስልጣነ ኢንካውያን ኣብ ናይ ሎሚ ከባቢ _________ ዝበሃላ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ማዕቢሉ ዝነበረ ስልጣነ’ዩ፡፡
ሀ. ኢልሳቫዶር ለ. ፔሩን ቺሌን ሐ. ሜክሲኮ መ. መልሲ የለን
2. ስልጣነ ኣዝቴክ ድማ ኣብ ከባቢ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝማዕበለ ስልጣነ`ዩ፡፡
ሀ. ኢልሳቫዶር ለ. ብራዚል ሐ. ሜክሲኮ መ. መልሲ የለን
3. ማለት ኣብ ሓደ ከባቢ ንኣብነት ኣህጉር፣ ሃገር፣ ክልል፣ ዞባ፣ ከተማ፣ ወረዳ፣ ጣቢያ፣ ቀጠና ወይድማ ቁሸት ወዘተ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ እዋን ነባራይ ዝኾነ ወዲዓዲ ዝግለፀሉ መረዳድኢ ኣምር‘ዩ፡፡
ሀ. ህዝቢ ለ. ዓሌት ሐ. ማሕበረሰብ መ. መልሲ የለን
4. ብዛዕባ ህዝብን ስነ ህዝብን መፅናዕቲ ብምክያድ መትከላትን ፖሊሲታትን ስነ ህዝቢ ኣመልኪቱ ብ1789 ዓ.ም.ፈ ፅሑፍ ፍልስፍና ብምቕራቡ ዝፍለጥን ሰብ መን ተባሂሉ ይፍለጥ?
ሀ. ቶማስ ኢድሰን ለ. ቶማስ ኣልበርት ማልታስ ሐ. ኣሪስቶትል መ. ሄሮዶቱስ
5. ኣብ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ስነ ህዝቢ ክንፈልጦም ዝግብኡና መሰረታዊ ኣምራት ዘይኾነ ኣየናይ እዩ?
ሀ. መጠን ውልደት ለ. መጠን ምውላድ እኖታት ሐ. መጠን ምስዳድ መ. መልሲ የለን
6. ካብ ክፍለዓለማት ዝበዘሐ ፃዕቒ ህዝቢ ዘለዋ ኣየነይቲ እያ
ሀ. ኤስያ ለ. ኣውሮፓ ሐ. ኣፍሪካ መ. ኣውስትራልያ
7. ንዝርግሐ፣ ኣሰፋፍራን መነባብሮን ህዝቢ ወሰንቲ ዝኾኑ ቑልፊ ባእታታት ካብ ዝበሃሉ ኣየናይ እዩ?
ሀ. ኣቀማምጣ ገፀ ምድርን ለ. ነባሪ ኣየርን ጠባይ ኣየርን ሐ. ፀቕጢ ህዝቢ መ. ኩሎም መልሲ እዮም
8. ቀንዲ ምኽንያታት ዝርግሐን ኣሰፋፍራን ህዝቢ ዝኾነ ኣየናይ እዩ?
ሀ. ተፈጥሮኣውን ፊዚካላውን ባእታታት ለ. ሰብ ስራሕ ባእታታት ሐ. ሀን ለን መ. መልሲ የለን
9. ብጣዕሚ ጎሊሆም ካብ ዝፍለጡን ብዙሕ ሰዓብቲ ዘለውዎምን ሽዱሽተ ሃይማኖታት ዘይኮነ ኣየናይ እዩ?
ሀ. ክርስትና ለ. እስልምና ሐ. ፕሮቴስታንት መ. ሂንዱዝም
10. ጃፓን ንኢንዱስትሪያላዊ ምዕባለታታ ዝሕግዙ ጥረ ኣቕሓ ንምቕራብ ዘኽእላ እኹል ሃፍቲ ተፈጥሮን ማእድናትን ስለዘይነበራ ንሃገራት ምብራቕ እስያ ብሕልፊ ድማ _________ ብምውራር ፀገማታ ክትፈትሕ ወሲና።
ሀ. ቻይና ለ. ታይላንድ ሐ. ሲንጋፖር መ. ሂንዱዝም
11. ኣብ ምጅማር ካልኣይ ኩናት ዓለም ብዕሊ ዝተፈለጡ ፋሽስታውን ወተሃደራውን ስርዓት ይመርሓ ዝነበራ 3 ሃገራት መነ መን እየን?
ሀ. ጣልያን እንግሊዝን ጃፓንን ሐ. ፈረንሳይ እንግሊዝን ጃፓንን
ለ. ጣልያን ጀርመን ጃፓንን መ. ስፔን ፖላንድ ጃፓንን
12. ________ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን ኣብ ምዕራብ ኣውሮፓ ሃገራት ብዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሃይማኖት ክርስትና ተጀሚሩ::
ሀ. ፕሮቲስታንት ክርስትና ሐ. ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮም
ለ. ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን መ. ሂንዱዝም
13. ክፍል ዓለም ____________ ብአንፈት ምዕራብ ምስ ሰሜናዊ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ትዳወብ መን እያ?
ሀ. ኣፍሪካ ለ. ኣውሮፓ ሐ. ኤስያ መ. ኣውስትራሊያ
14. ካብ ሓፈሻዊ ስፍሓት ዓለምና እቲ ኣስታት _____________ ሚእታዊ ብማያዊ አካላት ዝተሸፈነ እዩ።
ሀ. 60 ለ. 50 ሐ. 70 መ. 80
15. ካብ ዓለምና እቲ ዝነውሐ ብራኸ ዘለዎ ጎቦ ኣበየናይ ክፍለዓለም ይርከብ?
ሀ. ኣፍሪካ ለ. ኤስያ ሐ. ኣውሮፓ መ. ኣንታሪክቲካ
16. ቃላይ ኤይረ ኣበየናይ ክፍለዓለም ይርከብ
ሀ. ኣውስትራሊያ ለ. ኤስያ ሐ. ኣውሮፓ መ. ኣንታሪክቲካ
17. ቀንዲ ቤተሰብ ቋንቋታት ዩራሊክ ኣበየናይ ናይ ዓለም ከባቢ ይርከብ?
ሀ. ኣብ ሴሜናዊ ኣውሮፓን ክሳብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኤስያን ኣብዝርከቡ
ለ. ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ፣ ደቡብ እስያ፣ ፓኪስታን፣ ህንዲ፣ ቬትናም፣ ካምቦዲ
ሐ. ኣብ ኣውሮፓ ዝርከቡ ሃገራትን ኣመሪካን
መ. ኣብ ሞንጎ ደቡባዊ ምብራቅ ኣውሮፓ ክሳብ እስያ
18. ኣብ ዓለም ካብዘለዉ ቋንቋታት ብዙሓት ተዛረብቲ ዘለውዎ ሓምሻይ ደረጃ ዝስራዕን ቋንቋ ኣየናይ እዩ?
ሀ. ቤንጋሊ ለ. ስፓኝ ሐ. እንግሊዝኛ መ. ሂንዱ
19. ዝበሃል ኣብ ዓለምና ንመጀመርታ ግዘ ዝተፈላለዩ ናውትን ሸቐጣትን ኣብ ክንዲ ብኢድን መሳርሕታት ኢድን ብሓይሊ ሞተር ብዘንቀሳቕሶም ማሽናት ምፍራይ ዝተራእየሉ መሰረታዊ ለውጢ‘ዩ፡፡
ሀ. ፍልሰት ለ. ምዕባለ ሐ. ምኽታምነት መ. ኢንዱስትሪያላዊ ወያነ
20. ኢንዱስትሪያላዊ ወያነ ዝተጀመረላ ሃገር መን ትበሃል?
ሀ. ጣልያን ለ. እንግሊዝ ሐ. ጃፓን መ. ፈረንሳይ
21. ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ብ1705 ዓ.ም.ፈ ብሓይሊ ሃፋ ትሰርሕ ሞተር ሰሪሑ፡፡
ሀ. ቶማስ ኒውኮመን ለ. ቶማስ ኤዲሶን ሐ. ጀምስ ዋት መ. ሄንሪይ በስሜር
22. ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ትሰርሕ ዲናሞ ብምስራሕ መካኒካል ኢነርጂይ ናብ ኤሌክትሪሲቲይ እትልውጥ ዝሰርሐ ሰብ መን ይበሃል?
ሀ. ዊልበርን ኦርቪሌ ራይት ለ. ሚካኤል ፋራዳይ ሐ. ጎትሊይብ ዳይመለር መ. ሄንሪይ በስሜር
23. ኢንዱስትሪያል ወያነ ኣዝዮም ዝድነቑ ብዙሓት ምህዞታትን ውፅኢት ስራሕ ዘሳልጡ ዘምፀአ እንተኾነ ብዙሓት ፀገማት እውን ዓስዒቡ‘ዩ ካብቶም ዘስዐቦም ዝኮነ ኣየናይ እዩ፡፡
ሀ. ትሑት ክፍሊት ስራሕ ሐ. መፀገማይ ኩነታት ስራሕ
ለ. ነዊሕ ናይ ስራሕ ሰዓት መ. ኩሎም መልሲ እዮም
24. ሃገራዊ ስምዒትን ፍቕርን ዝግለፀሉ እንታይ እዩ?
ሀ. ምኽታምነት ለ. ባዕዳዊ መግዛእቲ ሐ. ብሄረተኝነት መ. ኩሎም መልሲ እዮም
25. ሓፈሻዊ መግለፂ ውፅኢታት ኢንዱስትሪያል ወያነ ዝኮነ ኣየናይ እዩ?
ሀ. ምኽታምነት ለ. ባዕዳዊ መግዛእቲ ሐ. ምጅማር ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታት መ. ኩሎም መልሲ እዮም
26. ስሉስ ኪዳን ዝበሃላ ሃገራት መነ መን እዩ
ሀ. ሃንጋሪ፣ ጀርመንን ጣልያንን ሐ. እንግሊዝ፣ ጣልያን ጃፓንን
ለ. እንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ሩስያን መ. መልሲ የለን
27. መንቀሊ ምኽንያታት ቀዳማይ ኲናት ዓለም
ሀ. ኣውስትሮ - ሃንጋሪ ኣብ ልዕሊ ሰርቢያ ዝወለዐቶ ዂናት ሐ. ምስፍሕፋሕ ባዕዳዊ መግዛእቲ
ለ. ህንፀት ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪን ምስረታ ወተሃደራዊ ምሕዝነት መ. ኩሎም መልሲ እዮም
28. ቀዳማይ ኲናት ዓለም ዝበሃል ካብ መዓዝ እስካብ ብመዓዝ ዓ.ም.ፈ ተካይዱ?
ሀ. 1920-1924 ለ. 1914-1918 ሐ. 1916-1920 ለ መ. 1935-1939
29. ኣብ ከይዲ ኲናት ቀዳማይ ዓለም ብሓፈሽኡ 32 ሃገራት ዝተሳተፉ እንትኸውን ካብዚኣቶም ዝበዝሑ ሃገራት ምስ ኣየናይ ሓይሊ ተሰሊፎም ነይሮም?
ሀ. ሓይልታት ምሕዝነት ለ. ሓይልታት ማእኸል ሐ. ተመጣጣናይ ኣሰላልፋ ነይርዎም መ. መልሲ የለን
30. ምስ ሓይልታት ምሕዝነት ክንደይ ሃገራት ተሰሊፈን ነይረን?
ሀ. 4 ለ. 28 ሐ. 16 መ. 15
31. ቀዳማይ ኲናት ዓለም ልዕሊ ዓሰርተ ሚሊዮን ህዝቢ ሞይቶም ክንደይ ዝኣክል ቆሲሎም
ሀ. 20 ሚሊዮን ለ. 28 ሚሊዮን ሐ. 16 ሚሊዮን መ. 10 ሚሊዮን
32. ጃፓን ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ትርከብ ግዝኣት ማንቹሪያ ብ ዓ.ም.ፈ ወሪራ፡፡
ሀ. 1931 ለ. 1936 ሐ.1938 መ. 1937
33. ሓይልታት ኣክሲስ
ሀ. ጀርመን፣ ጣልያንን ጃፓንን ሐ. ሶቭየት ሕብረትን ኣመሪካን ጀርመን
ለ. እንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ሶቭየት ሕብረትን ኣመሪካን መ. መልሲ የለን
34. ፖሊሲ ባዕዳዊ ምምሕዳር እንግሊዝ
ሀ. ዘይቐጥታዊ ምምሕዳር ሐ. ክልቲኡ ዓይነት ምምሕዳር
ለ. ቐጥታዊ ምምሕዳር መ. ኩሎም መልሲ እዮም
35. እንግሊዝ ክንደይ ዓይነት ምምሕዳር ትክተል ነይራ?
ሀ. 3 ለ. 2 ሐ.1 መ. 4
36. ፖሊሲ ባዕዳዊ ምምሕዳር ፈረንሳይ
ሀ. ዘይቐጥታዊ ምምሕዳር ሐ. ክልቲኡ ዓይነት ምምሕዳር
ለ. ቐጥታዊ ምምሕዳር መ. ኩሎም መልሲ እዮም
37. ዶክተር ኩዋሜ ኑክሩማህ ብሰላማዊ ቃልሲ ነፃነት ሃገሩ ዘኽበረ ወዲ ኣየነይቲ ሃገር እዩ?
ሀ. ናይጀርያ ለ. ጋና ሐ.ኒጀር መ. ቻድ
38. መራሒ ካኑ ፓርቲ ዝነበረ መን እዩ?
ሀ. ጆሞ ኬንያታ ለ. ጀሊየስ ነረሬ ሐ. እህሩ ኬንያታ መ. ኩዋሜኑ ኩርማህ
39. ጀርመን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምስተሰዓረት ታንጋኒካ ክትመሓደር ጀሚራ፡፡
ሀ. እንግሊዝ ለ. ፈረንሳይ ሐ.ጣልያን መ. ፖርችጋል
40. ካብ ክልተ ሃገራት ናይ መጀመርያ ፊደለን ብምውሳድ ዝተመስረተት ሃገር መን እያ?
ሀ. ታንጋኒካ ለ.ታንዛንያ ሐ.ዛንዚባር መ. መልሲ የለን
41. ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቤልጅየም ዝነበረት ሃገር
ሀ. ኮንጎ ኪንሻሳ ለ. ኬንያ ሐ.ኒጀር መ. ናይጀርያ
42. ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበረት ሃገር
ሀ. ሊብያ ለ. ኤርትራ ሐ. ሶማልያ መ. ኩሎም
43. ብቋንቋ ግሪክ ዲሞክራሲ እንታይ ማለት እዩ?
ሀ. ህዝባዊ ምምሕዳር ለ. ህዝቢ ሐ. ምምሕዳር መ. መልሲ የለን
49. ቋንቋታት ጉራግኛን ግእዝን ኣበየናይ ዓበዪ ቤተሰብ ቋንቋታት ይምደቡ?
ሀ. ኢንዶ - ዩሮፕያን ለ. ኣፍሮ ኤሽያቲክ ሐ. ኣውስትሮ ኤሽያቲክ መ. ኒሎ ሰሃራን
50. ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ሩባ ኣየንኡ እዩ?
ሀ. ሚሲሲፒ ለ. ኣማዞን ሐ. ሙሪ መ. ኮንጎ
51. ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ቋንቋታት በዝሖም ክንደይ እዩ?
ሀ. 2500 ለ. ልዕሊ 3000 ሐ. 2500 መ. ትሕቲ 3000
52. ካብዞም ዝስዕቡ ጉጀለታት እቲ ዝነኣሰ ክፍለ ዓለማት ዝሓዘ ኣየናይ ጉጀለ እዩ?
ሀ. ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓ፣ ኣንታርክቲካ ሐ. ሰሜን ኣመሪካ፣ኣውሮፓ፣ ኣውስትራልያ
ለ. ኤስያ፣ ኣውስትራልያ፣ ደቡብ ኣመሪካ መ. ኣንታርክቲካ፣ ኣውሮፓ፣ ኣውስትራልያ
53. ካብዞም ዝስዕቡ ኣብ ቋንቋታት ኣፍሮ ኤሽያቲክ ዘይምደብ ኣየናይ ቋንቋ እዩ?
ሀ. ትግርኛ ለ. ዓረብኛ ሐ. ጀርመንኛ መ. ኣምሓርኛ
54. ኣብ ዓለምና ዝተሓተ ብራኸ ዘለዎ ቦታ መን እዩ?
ሀ. ምውት ባሕሪ ለ. ኤቨረስት ሐ. ኣንታርክቲካ መ. ያንግትዠ
55. ኣፈታሪኽ ሮማውያን እንትንርኢ ከተማ ሮም ብ753 ዓመተ ዓለም __________ ዝተብሃሉ ክልተ መናቱ አሕዋት ከምዝተጣየሸት ይንገር`ዩ፡፡ እዞም ክልተ ኣሕዋት መነ መን ይበሃሉ
ሀ. ሮሙለስን ሬሙስን ለ. ሲሰሮን ቨርጂልን ሐ. ኦሊቨራይትን ውሊቨራይትን መ.መልሲ የለን
56. ኣብ ዘመነ ስልጣነ ጥንታዊ ሮማ ፍሉጣት ዝነበሩ ፃሓፍትን ተመራመርትን ታሪክ
ሀ. ሊቪይ፣ ፕሉታርክን ታሲተስን ለ. ጋላን፣ ፕቶሎሚን ኮፐርኒከስን
ሐ. ሲሰሮ፣ ሲኔካ፣ ቨርጂልን ሆራክን መ. ኩሎም መልሲ እዮም
57. ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ጥንታዊ ስልጣነ ዝጀመረሎም ሃገራት ፍለዩ፡፡
ሀ. ኣክሱም፣ ግብፂን ሞዛምቢክን ሐ. ማያ፣ ኣዝቴክን ኢንካን
ለ. ቻይና፣ ህንድን ሜሶፖታሚያን መ. ኩሎም መልሲ እዮም
58. ኣብ ኣፍሪካ ጥንታዊ ስልጣነ መዓዝ ጀመሩ
ሀ. 3000 ዓ.ዓ ለ. 2500 ዓ.ዓ ሐ. 3500 ዓ.ዓ መ. 2000 ዓ.ዓ
59. ኣብ ዓለምና ንመጀመርታ ግዘ ውፅኢት ዓለባ ሃሪ ዝመሃዙን ናብ ንግዲ ዝኣተዉን ኣበይ ዝርከቡ ህዝብታት እዮም?
ሀ. ግሪክ ለ. ሮም ሐ. ቻይና መ. ኣዝቴክ
60. ካብዞም ዝስዕቡ መግለፂ ጥንታዊ ስልጣነ ሮም ዝኾነ ኣየናይ እዩ?
ሀ. ፊደል ላቲን መሰረት ቋንቋታት ሮማውያን ምዃኑ ጥንኩር ሰራዊት ነይሩ
ለ. ፅፉፍን ጥንኩርን ስርዓት ስነ ህንፃን ቅርፃ ቕርፅን ማዕቢሎም ነይሮም
ሐ. ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ሕግታትን ነይሮም
መ. ኩሉ መልሲ እዩ፡፡